እንቋዕ ኣብ ውሽጢ Gävle Kommun (ቤት ምምሕዳር ጋቭል) ናብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ኣጸደ ሕጻናት ብደሓን መጻእኹም

ቤት ትምህርቲ ኣጸደ ሕጻናት እንታይ’ዩ?

ቤት ትምህርቲ ኣጸደ ሕጻናት ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ሽወደን ፈላማይ ደረጃ ኮይኑ ነቲ ህጻን ቐጻልነት ንዘለዎ ትምህርቲ ዘዳሉዎ እዩ። እቲ ቤት ትምህርቲ ኣጸደ
ሕጻናት ዕድመኦም ኣብ መንጎ 1ን 5ን ንዝኾኑ ህጻናት ወለንታዊ እዩ።
ቤት ትምህርቲ ኣጸደ ሕጻናት ምክትታል ዳሕራይ ኣብ’ቲ ቤት ትምህርቲ ንዝህሉ ዓወት ጽቡቕ ሰረትን ኩነታትን ዝህብ እዩ። ቤት ትምህርቲ ኣጸደ ሕጻናት ንህጻናት
ዝስተማቐር፣ ውሑስን ትምህርታውን እዩ። እቲ ህጻን ብጸዋታ: ምህዞን ዳህሳስን ጌሩ ዝዓብየሉ ዕድል ይህቦ። እቲ ትምህርቲ ህንጡውነት ህጻናት ክጥቀም ዘለዎን
ኣብ ናይ ቋንቋ: ሕሳብ: ተፈጥሮን ቴክኖሎጂን ፍልጠት ዘለዎ ተገዳስነት ዝፍትንን ዘለዓዕልን ክኾን ኣለዎ።

መዓዝ’ዩ ውላደይ ቤት ትምህርቲ ኣጸደ ሕጻናት ክከታል ዝኽእል?

ንስኻትኩም ከም መጠን ወላዲ ኣብ ስራሕ፣ ኣለሻ ስራሕ፣ ትምህርቲ ወይ ዕረፍቲ ምስ ሃለኹም፣ ውላድኩም ናይ ቤት ትምህርቲ ኣጸደ ሕጻናት ቦታ መሰል ኣለዎ።
ውላድኩም ናብ ቤት ትምህርቲ ኣጸደ ሕጻናት ክኸይድ ከሎ ኽፍሊት ትኸፍሉ ኢኹም። እቲ ኽፍሊት ብእቶት ስድራቤትኩም ዝተመስረተ እዩ።

መሰል ንቦታ ቤት ትምህርቲ ኣጸደ ሕጻናት

ኩሎም ህጻውንቲ ዕድመኦም 3 ካብ ዝመልአሉ ናይ’ቲ ዓመት ግዜ ጽዲያ ኣትሒዙ ኣብ ናይ ህዝቢ ቤት ትምህርቲ ኣጸደ ሕጻናት ናይ ምክትታል መሰል ኣለዎም። ናይ
ህዝቢ ቤት ትምህርቲ ኣጸደ ሕጻናት ካብ ኽፍሊት ናጻ ኮይኑ እቲ ህጻን ብሰሙን ን15 ሰዓት ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣጸደ ሕጻናት ይከታተል እዩ። ናይ ህዝቢ ቤት
ትምህርቲ ኣጸደ ሕጻናት ናይ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ሕግታት እዩ ዝኽተል። እዚ ማለት እቲ ህጻን ናብ ቤት ትምህርቲ ኣጸደ ሕጻናት ዘይከደሉ መዓልቲ ምስ
ኣብ’ቲ ቤት ትምህርቲ ዘለዉ ህጻውንቲ ዘይከዱሉ መዓልቲ ተመሳሳሊ እዩ።

ብኸምዚ ኢኹም ተመልክቱ

ንቤት ትምህርቲ ኣጸደ ሕጻናት ቦታ ተመልክቱ ብኤሌክትሮኒክ ግልጋሎት ኣብwww.gavle.se እዩ።

ምሉእ ናይ ማሕበራዊ ድሕንነት ቑጽሪ እንተዘይሃሊኩም፣ ብቅጥዒ ጌርኩም ክተምልክቱ የድልየኩም። እቲ ቅጥዒ ንዓና ብልሙድ ግልጋሎት ፖስታ ይወሃበና ወይከኣ
ንግልጋሎት ዓሚል ይወሃብ።

መርከቢ

ግልጋሎት ዓሚል

gavle.kommun@gavle.se
026–17 80 00
ድሙቕ ሰላምታ ኣብ ውሽጢ Gävle (ጋቭል) ንዝርከብ ቤት ትምህርቲ ኣጸደ ሕጻናት!