skriv utLyssnaTranslate ንባዕልኻን ንኻልኦትን ካብ ለበዳ ሕማም ተኸላኸል – Tigrinskaናይ ኮቪድ-19/covid-19 ላብዕ ካብ ምዝርጋሕ ከመይ ገይርካ ከምእተከላኸል፡ እቲ ቫይሩስ መዓልታዊ ናብራኻ ከመይ ከምዝጸልዎ፡ ከምኡ’ውን ሃበሬታን ሓገዝን ንኽትረክብ ናበይ ከምእትውከስን፣ ኣብዚ ሓበሬታ ብትግርኛ ትረክብ። ዝያዳ ኣብ krisinformation.se ኣንብብ። ናይ ላብዕ ምዝርጋሕ ምጕዳል ሓቢርና ነቲ ላብዕ ክንገትኦ ንኽእል! ላብዕ ናይ ኮቪድ-19 ንኸይዝርጋሕ ናይ ኩላትና ሓላፍነት እዩ። ኣብዚ እነሆ ቁሩባት ኣገደስቲ ነገራት ኩላትና ክንገብሮ እንኽእል: ወላ እውን ቀሊል ጉንፋዕ ከምዘሎካ ምስዝስማዓካ ኣብ ገዛ ትረፍ። ኢድካ ብሳምናን ማይን ጌርካ እንተ ወሓደ ን20 ካልኢት ዝኾውን ሕጸቦ። ኣብ ውሽጢ ገዛ ይኹን ኣብ ደገ ካብ ካልኦት ሰባት ርሕቐት ሓዝ። ካብ ካልኦት ሰባት ኣብ ኣውቶቡስ፡ መትሮ፡ ትራምን ካሎኦት መጓዓዝያታትን ርሕቐት ሓዝ። ካብ ትልሂታት፡ ቀብሪታት፡ ጥምቀታት፡ ዕድመታትን መርዓታትን ምኻድ ተቖጠብ። ካብ ካልኦት ሰባት ኣብ ቦታ ናይ ስፖርት፡ መሐንበሲ ወይ ጂምናሲዩም ርሕቐት ሓዝ ከምኡ’ውን ኣብ ህዝባዊ መቐየር-ክዳውንቲ ኾይንካ ክዳንካ ምቕያር ተቖጠብ። ኣብ እዋን ጻዕቒ ገየሽቲ ዘለዎ ካብ ምጋሽ ተቖጠብ። እንድሕር ኣድላዪ/ግድን ኮይኑ ጥራሕ ተጓዓዝ። ነቲ ላብዕ ካብ ምዝርጋሕ ከመይ ገይርካ ከምእተጕድል ምኽሪ ኣብ ናይ ህዝባዊ ጥዕና በዓል መዚ መርበብ ብዙሃን ኣንብብ ሓበሬታ ብዛዕባ ኮሮና ቫይሩስን ሓማም ኮቪድ-19ን/covid-19 ዝያዳ ብዛዕባ እቲ ሓድሽ ኮሮና ቫይሩስን ሕማም ኮቪድ-19ን ኣብ ናይ ህዝባዊ ጥዕና በዓል መዚ መርበብ ብዙሃን እንብብ መልስታት ናይቶም ልሙዳት ሕቶታት ብዛዕባ ኮሮና ቫይሩስን ሕማም ኮቪድ-19ን ኣብ ናይ ህዝባዊ ጥዕና በዓል መዚ መርበብ ብዙሃን እንብብ ላብዕ ናይ ኮሮና ነቲ ናይ ኮሙን ንጥፈታት በዚ ዝስዕብ ይጸልዎ። እቲ ናይ ኮሙን ንጥፈታት ንኣብነት ከም፡ ቤተ-መጻሕፍቲ፣ ቤት-ትምህርትታት፣ ክንክን- ኣልዮት፡ መንበሪታትን መራኸቢ ንኣረጋውያን ዝኣመሰለ ኣብ እዋን ላብዕ ፍልይ ዝበለ ገደባት ክህልዎም ይኽእል እዩ። እንድሕር ብዛዕባ ሓደ ውሱን ንጥፈት ሕቶታት ኣለካ ምስ ናይ የቭለ ኮሙን ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። እቶም ናይ መራኸቢ ሓበሬታታት ኣብ ታሕቲ ትረኽቦም። ምሳና ርክብ ግበር ምስ ናይ ያቭለ ምምሕዳር ናይ ዓማዊል ኣገልግሎት ብትግርኛ ክትራኸቡ ትደሊዩ። 026-17 95 28 ደውሉ ወይከኣ ብኢመይል dawit.bereket_woldemichael@gavle.se ናይ የቭለ ኮሙን ናይ ዓማዊል ኣገልግሎት ቁጽሪ ስልኪ 026 – 17 80 00 ናብ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ሓገዝ ናይ ምርካብ ኣኽእሎ ዘለዎ ናብ ናይ ምምሕዳራዊ ቤት ጽሕፈት መቐብሊ ኣጋይሽ ኣብ ድሮትኒንግስጋታን 22 ክትበጽሕ ትኽእል ኢኻ። ሃገራዊ መስመር ተለፎን ብዛዕባ አዚ ሓድሽ ናይ ኮረና ቪረስ ብ ብዙሓት ቃንቋታት። ብዛዕባ ኮረና ቫይረስ ሓፈሻዊ ሕቶ እንተሃሊኩም በዚ ስልኪ ቁጽሪ ደውሉ 08-1230680 ። እዚ መስመር ክፉት አዩ መዓልታዊ ( ሶኒ- ዓርቢ) ካብ ስዓታት 09:00 – 15:00 ። ብኸምዚ ክትሕግዝ ትኽእል እንድሕር ንስኻ፡ ማሕበርካ ወይ ትካልካ ክትሕግዝ ደሊኻ ዝያዳ ሓበሬታ ኣብ’ታ ገጽ ብሽወደንኛ Så kan du hjälpa till ክትረክብ ትኽእል። ካብ’ዛ ገጽ እዚኣ፡ ካብ ቤተ ስልጣን ጥዕና-ህዝቢ ወይ ካልኦት ናይ ሽወደናውያን ቤተ ስልጣናት እውን፡ ናይ ሓበሬታ ጽሑፋት ሓቲምካ፣ ንኻልኦት ሰባት ናይ ቤተ ስልጣናት ምኽሪታት ንኽረኽቡ ንኽትሕግዝ፣ ንኣብነት ኣብ ቦታ ስራሕካ፡ ናይ ማሕበርካ ኣዳራሽ ወይ ኣብቲ መእተዊ ገዛኻ ዘሎ ክትሰቅል ትኽእል ኢኻ። ዜና ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ዜና ብዛዕባ ኮሮና ቫይረስ ብትግርኛ ኣብ ናይ ሽወደን ራዲዮ መርበብ ብዙሓን ስማዕን ኣንብብን